Eritrean Culture ባህሊ ኤርትራ

ሰላም ክቡራት የሕዋት ኣሓት 5-7-2011
እንቃዕ ብደሓን መጻኹም::

ቀጺልና ብዛዕባ እዚ ባይታ ዝተኸፈተሉ ምኽንያት ክንሕብረኩም ንፈቱ

ኣብዚ ክንፈልጦ ዘለና:ባህሊ ክበሃል ኮሎ:ብዙሕ ነገር ዝሓዘለ እዩ: ስለዚ ባህልና Group ባይታ ዳኣሉ ተኸፊቱ እምበር: ብዛዕባ ባህልና ኩሉ ጠራኒፋ ይርከብ ማለት ኣይኮነን:እንታይ ዳኣ እዚ ባይታ ኩላትና ኣብ እንሳተፈሉ :ኣገዳሲ ንብሎም ብዛዕባ ባህሊና ንምስዳድን ክንማሃሃር ከሙኡ ውን: ብዛዕባ ባህሊ እንታይ እንታይ ዝሓዘለ እዩ ዘለና ኣፍልጦ ንምልውዋጥ ተባሂሉ ዝተኸፈተ ባይታ እዩ: ስለዚ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ይኸውን::

ናብዚ ባይታ ዝኾነ ሰብ ንብጾቱ ይኹን ንፈተውቱ ክዕድም ፍቑድ እዩ:
ካብ ባህሊ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ንሕብረተሰብ ዝሃሲ ጹሑፋት ኣይነፍቅድን ኢና::
ዝኾነ ዘየድሊ ጹሑፍ ወይ ኣጸየፍቲ ስእልታት ቪዶታት ምዝስደድ ብቐጥታ
ክእለ ሙኻኑ ብትሕትና ነፍልጥ: ባህሊ ካብ ኣቦታትና ጀሚርካ:ዘሎ ኣፍልጦ
ክንካፋፈል :እዚ መኣዲ ተኸፊቱልና ኣሎ : ባህሊ ካብቶም ሓደ ንሕብረተሰብ
ሓደ ሓቓፊ ስለዝኾነ ብሸለልትነት ክራኣይ ዘይብሉ ኮይኑ ባህልና ዓቅብና
ናብ መጻኢ ወሎዶታት ከነሰጋግር ናይ ኩላትና ሓላፊነት እዩ::

ሃብታም ባህሊ ኣለና:
ወለድና ኣዝዮም ስልጡናትን ለባማትን ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይምስክረሎም እዩ::
እቲ ናይ ኤርትራዊያን ልምድን ባህልን ስልጣኔን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክልተ ሽሕ
ዓመተ ስለ ዝኾነ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ዓቢ ቦታ ሒዝና ንርከብ ህዝቢ ኢና::

ናይ ባህሊ ግርጭት
ብፍላይ እዞም ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለው ነኣሽቱ የሕዋትና:ከሙኡ ውን ነዊሕ
ዓመታት ዝገበረ ህዝብናን:ነቲ ኣብ ሊዕሊ ባህሉ ዘሎ ተደራቢ ባህሊ ከመይ ገሩ ጸሩ ባህሉ
እንዳዓቆበ ደቁ እንዳማሃረ: ንሕማቕ ፈሊጡ ጽቡቑ ከለሊ ክንድምንታይ ቃልሲ ምኻኑ
ዝገጥሞ ዘሎ ተመልስና ከነዘኻኽር ንፈቱ::

እምበኣረይ ኩቡራት በጻሕቲ
ሕጂ ውን ክደግሞ:ባህሊ ክበሃል ኮሎ ብዙሕ እንድዩ: እዚ ባይታ ተኸፊቱ ኣምበር: ኩሉ
ትሕዝቶ ባህሊ ሒዙ ቀሪቡ ማለት ኣይኮነን: ስለዚ ናይ ኩላትና ተሳታፊነት የድሊ

ጽቡቅ ጉዕዞ ምስ መደብ ባህልና

To all Members and visitors of
The name of the group is eritrean culture
The aim of the eritrean culture face book group is
Culture belongs to each and every one of us equally. Therefore, this group belongs to all Eritreans and others interested in the culture of Eritrea. It needs the input and effort of all of us, either member or visitors. So let us start initiating, raising and posting cultural discussions, cultural issues, cultural articles...
This group will work hard in introducing the elements of culture, which are Language, Community, Ideas, Beliefs and Traditions to all Eritreans born and/or raised Diasporas, non-Eritreans and all interested in the culture of Eritrea. Let us appreciate our culture, which is the output of the hard work and talent of our ancestors.
Let us invite our friends to this group.

Thanks the eritrean culture face book group