Eritrean Orthodox Tewahdo BITEKRSTIYAN QDUS GIYORGIS Bodø,Norway

ድንግል ፍሉይ ክብርኪ መን ኮን ዩ ዝገልጾ
ምሉእ ቓል የለን ስምኪ ዝውድሶ
ኣየናይ ብቓዓት እዩ ፊትኪ ዘቁመኒ
ኣፈይ ክኸፍተልኪስ ልሳን ዓድልኒ
ኦ ሓረገ ወይኒ አደ ጎይታይ ማርያም
መዕቖቢተይ ከተማ ናይ ህዳኣት ናይ ሰላም
ዕሸል ኣፈይ ወታእ እዩ ክብርኪ ከዘንቱ
ልሳነይ ከጥዒ ድንግል ክጥዕም ቃላቱ (2)
ልበይ ጎሰዐ ቓል ምስጋና
ቓለ ዝማሬ ቓለ ዜማ (2)
ድንግል ፍሉይ ክብርኪ መን ኮን ዩ ዝገልጾ>>>>>>>>>>>>>>>»
ኤልሳቤት ዘለለት ብናትኪ ሰላምታ
ህጻን ተሰራሰረ ብሓጎስ ብደስታ
ዕድሜኪ ይብል ውሽጠይ ብጽሕዮ ንስቕታይ
ካበይ ኮነለይ ኢለ ክዘልል ከም ብተይ (2)
ልበይ ጎሰዐ ቓል ምስጋና
ቓለ ዝማሬ ቓለ ዜማ (2)
ድንግል ፍሉይ ክብርኪ መን ኮን ዩ ዝገልጾ>>>>>>>>>>>>>>>»
ስሙር ቓል ቕዳሴኪ ብልግሲ ዝሃብኪ
ልሳን ህርያቖስ ማርያም ንዕቐቱ ዘክበርኪ
ፍሕቁታ ቓል ምስጋናይ እግሪ ንክተክል
ባርክዮ ንልበይ ዜማይ ልበይ ከሰላስል (2)
ልበይ ጎሰዐ ቓል ምስጋና
ቓለ ዝማሬ ቓለ ዜማ (2)
ድንግል ፍሉይ ክብርኪ መን ኮን ዩ ዝገልጾ>>>>>>>>>>>>>>>»
ኣፈይ ምላኣት ምስጋና ፍረ ክርከቦ
ባህታ ሓጎስ ክዓስሎ ጽድቂ ንክከቦ
ስለ ክብሪ ግርማኪ ሓጎሰይ ክገልጽ
ልሳን ዓድልኒ ንዶ ዕልልታይ ክድርጉሕ (2)
ልበይ ጎሰዐ ቓል ምስጋና
ቓለ ዝማሬ ቓለ ዜማ (2
ድንግል ፍሉይ ክብርኪ መን ኮን ዩ ዝገልጾ>>>>>>>>>>>>>>>»